Post by Salvatore Chester

Supporter, Tsere lamba - solar energy (solar for trees initiative) ፀረ ላምባ

💯, ሃቀኛ ምሁር።👌 IMHO . 1🇪🇹1st! ቁምነገር, ቅን አስተሳስባ ዝለዎም, ብነፃነት ዝዛረቡ ትግራዋይ 🇪🇹ዊ ምምባሮም ብጣዕሚ ይገርም, ድማ ተስፋ ዝርከበሉ ኾይኑ። 🙏 🙏 (ካብ ልሙድ ስልጣን-ተኮር ናይ ወያኔ-ተጋዳላይ #ፅምዶ ድንቁርና አሰተሳሰባ ፉሉይ ዝኾነ) "ትግራይ ናይ 🇪🇹 አካል" 🩺👌። ብተወሳኺ, ቀንደኛ መስራች አባል 👌, እቲ ናይ 🇪🇹 ታሪኽ ካብዝተጀመረሉ ብ1000'ት ዓመት ዝቁፀር ግዜ።📌 አብዚ 10ዓ ዝመፀ, ምግንፃል ዝባሃል ናይ ሳክራማት/ወያናት ማጭበርበሪያ ረብሃ ዘይብሉ ድንቁርና እዩ. IMHO. አብ #ትግራይ ዘምፂኦሞም ፀገማትን መከራን በታሪኽ ተራዕዩም ዘይፍለጥ - #ይኣክል! አዲስ አበባ ንምስታይን ንምጭፋርን ጥራህ እምበር ተቀራሪብካ ምስ መላ 🇪🇹ዊ ብሰላም ምምካር አይግብኣን ዝብሉ አሻታት ኣለው። ፕሪቶሪያ አብ ትግራይ ዝርከብ ከተማ ነይሩ ዶ? 🤔 ወያኔ ብህልፊ, ፋኖ, ኦሮሙማ.. ካልዑት ጎጠኛታት ድማ አብውሽጦም አግላይን ጨቋናት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ። ... EPA/Tigrigna << "ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ እያ፣ ብዘይ ዘተን ምርድዳእን ዝመፅእ ለውጢ የለን" _ ዶክተር ገብረኢየሱስ ተኽሉ +++++++++++++ ጋዜጣ_ፕላስ| ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህርን ክኢላ ኣተኣላልያ ጎንፅን ዝኾኑ ዶክተር ገብረኢየሱስ ተኽሉ፣ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘተን ምርድዳእን እንተዘይሃልዩ ትግራይ ካብ ዘላቶ ናይ ጎንፂ ዕንኪሊል ክትወፅእ ከምዘይትኽእል ሊፆም። ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ምሁር፣ ትግራይ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን ምስቲ ሓፈሻዊ ናይ ኢትዮጵያዊነት ኣተሓሳስባን ዘለዋ ርክብ ክሳዕ ዘይተዓረየ ዝመፅእ ዘላቂ ለውጢ ከምዘየለ ኣገንዚቦም። ዶክተር ገብረኢየሱስ ከም ዝገለፅዎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝዓበየ ፀገም ናይ ስልጣን ጎንፂ እዩ። ስልጣን ኣብ ሃገርና ድሌትካ ትገብረሉ ባይታ ስለዝፈጥር፣ ፖለቲካዊ ልሂቃን ንስልጣን ክብሉ ናይ ብሄር ኣጀንዳ ከም መቓልሲ ተጠቒሞምሉ እዮም። እዚ ድማ ሰባት ካልእ መንነቶም ረሲዖም ብብሄር ጥራሕ ክጋጨዉ ብምግባር ንልምዓትን ዕብየትን ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ። ብዛዕባ እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ክገልፁ ከለዉ ድማ፣ እቲ ኮሚሽን ምስ መንግስቲ ኣብ ጎንፂ ዘለዉ ኣካላት እውን ንክሳተፉ ፃዕሪ ዝገበረሉ ዘሎ ብምዃኑ ከም ዘይሻራዊ መድረኽ ክውሰድ ከምዝኽእል ይሕብሩ። "ኣብ ኢትዮጵያ ልሙድ ከምዝነበረ 'እዚ ጥራሕ ክዛረብ ' ዘይኮነስ፣ ሓሳብካ ብነፃነት ክትገልፅ ዕድል ሂቡ እዩ" ዝበሉ ዶክተር ገብረኢየሱስ፣ እቲ ምኽክር ብፖለቲካዊ ውፅኢት እንተዘይተዓወተ እኳ ንመፃኢ ምርምር ታሪኽን ስነ-ሰብን ዝኸውን ዘይውዳእ ዲጂታል ፀጋ ከምዝኸውን ኣረዲኦም። ኣብ መወዳእታ "ንሕና ተጋሩ መጀመሪያ ንውሽጥና ክንርኢ ይግባእ" ዝበሉ እቶም ምሁር፣ ብስም ትግራይ ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ ሰባት ዝፈፀምዎም ጌጋታት እንተሃልዮም ነቒስና ብምውፃእ ቅዋም ክንወስድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም። ብተወሳኺ ምስ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ዘለና ርክብ ብቕንዕና ክሳዕ ዘይተረዳዳእናሉ ካብ ኲናት ክንወፅእ ስለማይንኽእል፤ ኣብ ዕዳጋ፣ ኣብ ቀብሪ፣ ኣብ መስጊድ ይኹን ቤተክርስትያን ሰላማዊ ዘተን ምርድዳእን ክካየድ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም። >> #ጋዜጣ_ፕላስ #ጋዜጣ_ወጋሕታ #NationalDialogue #PeaceAndReconciliation #Tigray #Ethiopia https://lnkd.in/dYZBKbRX

Post content